ከባብያዊ ስጕምትታት ክቫም ሄራድ ነዚ ኣብዚ ከባቢ ና ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምቍጽጻር ዚሕግዝ ስጕምትታት ከም ዚህሉ ገይሩ ኣሎ ።

ከባብያዊ ስጕምትታት ክቫም ሄራድ ነዚ ኣብዚ ከባቢ ና ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምቍጽጻር ዚሕግዝ ስጕምትታት ከም ዚህሉ ገይሩ ኣሎ ። ሓሙስ 8 ሚያዝያ እንደገና ገምጋም ብምግባር ኣብ ኵሉ ቐጸላታት መውዓሊ ህጻናት ዘሎ ደረጃ ቀይሕ መጠንቀቕታ ኮይኑ ኣሎ። • ስለዚ ኩሉ መውዓሊ ህጻናት ክሳዕ ረቡዕ 7 ሚያዝያ ዕጹው'ዩ ። እዚ ማለት ን ሳንድቨን ኤፍ. ዩ. ኤስ መውዓሊ ህጻናት ጥራይ ይምልከት:: •ቶርቪክቢግድ ቤት ትምህርቲ: ስትራንደባርን ቤት ትምህርቲ: ኦልቪክ ቤት ትምህርቲ: ግን ሮቡዕ ዕለት 7 ሚያዝያ ክኽፈት'ዩ::

•ቤት ትምህርቲ ኦይስተሰ, ቤት ትምህርቲ ኑርሃይምሶንድ ከምኡውን ቤት ትምህርቲ ክቫም ኡንግዶም ስርዓተ ምስትምሃር ኣብ ገዛ ኮይኑ'ሎ ሙሉእ ሶሙን ካብ ዕለት 06-09:: ንስርዓተ ትምህርቲ ናይ ነብሲ ወከፍ ኣብያተ ቤት ትምህርታት ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ናይ ገዛእ ገጻተን መርበብ ሓበሬታ ተለጢፉ ኣሎ ሎሚ ሶሉስ መዓልቲ 06 ሚያዝያ ሰዓት 11:00 ቅድሚ ቀትሪ::

•ን ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምውሳድ መጻሕፍትን ናውቲ መሳርሒ ትምህርትን ዝምልከት ሓበሬታ ከካብ ቤት ትምህርትኹም ክመጻኩም'ዩ::
• ወላ'ካ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኩለን ኣብያተ መዋእለ ህጻናት እንተተዓጽዋ ግን ከኣ ሓገዝ ዝደልዩ ቈልዑ ከምኡውን ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት መሪሕ ግደ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ክፉት ኢዩ ። ተወሳኺ ምኽሪ ነቶም ማሕበራዊ መጋዓዝያ ጥራይ ዝጥቀሙ ን Skyss ክውከሱ ይኽእሉ::
• ትምህርቲ ንዓበይትን ( Voksenopplæring) ከምኡውን Kulturskulen ኣብ ቀይሕ ደረጃ'ዩ ዘሎ::
• ኵሉ እቲ ኣብ ግዳም ኰነ ኣብ ውሽጢ ዚግበር ንጥፈታት ፍጹም ኩልኩል'ዩ::
• ምስዚ ዝመሳሰል ንጥፈታት ዝካየደሉ ማእከል ናይ ስፖርት ኣደራሽን መሐንበሲ ማእከልን ከምኡውን ካልእ መሳለጥያታት ክዕጾ ኢዩ።
• እተወደበ ስፖርት ባህላውን ካልእ መዘናግዒታትን ልምምድን ኣይፍቀድን እዩ።
• ኣብ ደገ ወይ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ምስ ሃገራዊ ስርዓታት ወይ ሕግታት ዚሰማማዕ ምስዝኸውን ክትግበር ይከኣል:: • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣውቶቡስ) ከምኡውን ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ( ድካናት ) ሓደ ወይ ክልተ ሜትሮ ርሕቀት ንዘይ ሕልዉ ናይ ኣፍ መሸፈኒ ክጥቀሙ ኣለዎም:: • ሓደ ሰብ ክልተ ሜትሮ ርሒቑ ሃልዳ ክኸውን ኣብ ዘይክእለሉ ዅነታት እውን ናይ ኣፍ ኣአንጋዲ ምኽሪ ሃበ ። • ተጠቀምቲ ታክሲ መሸፈኒ ኣፍ ክጥቀሙ ኣለዎም::
• መሸፈኒ ኣፍ ን ትሕቲ 12 ዓመትን ከምኡውን ሕዱር ሕማምን ቀጻሊ መድሃኒት ዝወስዱን ኣይምልከትን'ዩ::

መዘኻኸሪ: ምልክታት ሕማም ኮረና ቫይረስ ምስዝስማዓካ ን ኣብነት ጸገም ምስትንፍስ: ረስኒ: ቃንዛ ጭዋዳ ወይ ቅርጥማት ኣብ ገዛኻ ብምውሻብ ቀልጢፍካ ብ ስልኪ ቁጽሪ 46804366 መዓልታዊ ኣብ መንጎ ሰዓታት 08:30-16:00 ዘሎ ግዜ ብምድዋል ኩነታትካ ክትሕብር ትኽእል::